ክፋል 1 – ህይወት ሕብረተሰብ

  • ’’ጉትን ታግ’’ (ፅቡቅ መዓልቲ) ’’ኣውፍ ዊደር ዜን’’ (ደሓን ኩን) ዝተለመዱ ናይ ሰላምታ ቃላት’ዩም፡፡ ምስ ሓደ ሰብ ወይ ድማ ምስ ውሑዳት ሰባት ክትራኸብ ከለኻ ንዘለዉ ኹሎም ኣጠቓሊልካ ሰላምታ ምቅራብ ልሙድ ተግባር እዩ። ንኣብነት ንእስ ኣብ ዝበለ ሹቅ ወይ ድማ ኣብ ናይ እንዳ ሓኪም መጸበዩ ክፍሊ ክትኣቱ ከለኻ ’’ጉትን ታግ’’ (ፅቡቅ መዓልቲ) ብምባል ኣብኡ ንዘለው ሰባት ሰላምታ ተቅርብ፡፡ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኣብ ጎደና ንዘጋጥሙኻ ሰባት፥ ኣብ ንእሽተይ ዓዲ ወይ ኣብ ጽምዋ ቦታ፥ ሰላምታ ምቅራብ ግድን’ዩ፡፡

  • ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ቦታ ፍሽክታ ምርኣይ ከም ምልኻፍ ኣይቁፀርን፣ ወላ ውን ምስ ጓና እንተ ኣዕለልካ፡፡ብዙሓት ሰባት ፍሽኽ ምባሎም ከም መግለጺ ሕያውነትን ሰላምታን እዩ።

  • ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ሰባት ንውልቀ ናፅነት ኣብይ ቦታ ይህቡ’ዩም ካብኣቶም ዝተወሰነ ርሕቅ ክትብል ይግባእ፡፡ ኣብ ባቡር ይኹን ኣብ ሬስቶራንት ጋሻ ሰብ እንተረኺብኻ ’’ሄሎ’’ ኢልካ ንነዊሕ እዋን ብዘይዘረባ ኮፍ ክትብል ትክእል ኢካ፡፡ ክትኸይድ ከለካውን ደሓን ወዓል ኢልካ ትኸይድ። ብተመሳሳሊውን ብዙሓት ሰባት ንበይኖም ኮፍ ክብሉ ይደልዩ እዩም፡፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ፡፡

  • ጸጥታን ውልቃዊ ናጽነን ንምሕላው ሰባት ማዕጾኦም ይዓጽዉ።ንኣብነት ኣብ ቤት ጽሕፈታት ወይድማ ኣብ ገዝኦም፡፡ ክትኣቱ ከለኻ ከኣ ማዕፆ ምኩሕኳሕ ኣድላይ’ዩ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ክትኣቱ ብኣኽብሮት ይዕድሙኻ፡፡

  • ሰንበት ናይ ፀጥታ መዓልቲ’ዩ፡፡ ኩሎም ሹቃት ዕፅዋት’ዮም፡፡ ዝተወሰኑ ሰባት’ዩም ኣብ ስርሖም ዝርከቡ፡፡ ጎረባብትካ ኣብ ዕረፍቲ መዓልቶም ተረብሽካዮም ክሲ ከቕርቡ ይኽእሉ’ዩም፡ ንኣብነት ዝርብሽ ድምፂ ዘለዎ ስራሕ እንተሰርሒካ፡፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሰባት ኣብ እዋን ድቃሶም ዝኾነ ይኹን ድምፂ ክስምዑ ኣይደልዩን እዮም ፡፡ ካብ ሰዓት 10 ምሸት ክሳዕ 6 ንግሆ ጸጥታ ክሕሎ ይግባእ እንተ ዘይኮነ ክትክሰስ ትኽእል ኢኻ።

  • ሰብ ኣብዝተኣከበሉ ቦታ ሽንቲ ምሻን ግቡእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝበዝሑ ቦታታት ሽንቲ ቤት ይርከብ’ዩ፡፡ ኣብ ሽንቲ ቤት ናይ ፅሬት መከወሊ ሶፍትታት ይርከቡ’ዮም፡፡ መሕፀቢ ነፍሲ ሻወር ግና የለን፡፡ ናይ ሽንቲ ቤት ረስሓት ወረቃቅቲ ኣብቲ ዝሸንካሉ ክትድርብዮ ይግባእ፡፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሞደስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ነገራትን ከኣ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ክጓሓፍ ኣለዎ። ርስሓት ነገር እንተ ኣጋጢምካ ብብራሽ ከተጽርዮ ኣለካ። እቲ ሽቓቕ ፅሩይን ደረቅን ምኳኑ ኣረጋጊፅካ ውፃእ፡፡ ደገ ክትወፅእ ከላካ ኮፍ ኢልካ ምውፃእ’ዩ ተመራፂነት ዘለዎ፡፡ ሽንቲ ተኮይኑ ግና ደው ኢልካ’ዩ ዝምረፅ፡፡ ብተወሳኪውን ካብቲ ሽንቲ ቤት ክትመፅእ ከለካ ኢድካ ብሳሙና ምሕፃብ ግድን’ዩ፡፡

  • ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ቦታ ብፍላይ ኣብ ትራንስፖርት ነዊሕን ዓው ኢልካ ቴሌፎን ምዝራብ ፅቡቅ ኣይኮነን፡፡ ድምፅካ ኣትሕት ኣቢልካ ክትዛረብ ይግባእ፡፡

  • ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ንዓበይቲ ሰባት:ንነፍሰ ጾራት:ንስንኩላን ተባሂሉ ዝተትሓዘ ቦታ ኣሎ፡፡ንናይ ቆልዑ ዓረብያን ብውሊቸር ንዝከዱ ሰባትውን ተባሂሉ ዝተሓለወ ቦታ ኣሎ፡፡ ነዚኦም ቦታታት ሰባት ኮፍ ኣይብልዎምን ወይ ከኣ ኣድላይ ተኾይኑ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ይብሉ ወይድማ ጠጠው ይብሉ፡፡

  • ኣብ ኣስካላ ሰባት ኩሉ ግዜ ብየማን ጠጠው ይብሉ ብፀጋም ድማ ይጓኣዙ፡፡

  • ሓገዝ እንተደሊካ ንዝኾነ ሰብ ንምሕታት ናፃ ኹን፡፡ መብዛሕትኦም ሰባት ክሕግዙኻ ድሉዋት’ዮም ፡፡ ብዘይ ወለዶም ፍቃድ ንህፃናት ቆልዑ ክትቀርቦም ኣይግባእን፡፡