ክፋል 0 – መእተዊ

ናብ ጀርመን እንኳዕ ብሰላም መፃእካ! ናይዚ መምርሒ ዕላማ ናይዛ ትነብረላ ዘለካ ዓዲ መረዳእታን መብርሂታትን ንምሃብ’ዩ፡፡ እዚ መምርሒ እዚ ናይ ስደተኛታት ቀንዲ ሕቶታት’ዩም ተባሂሎም ዝተገመቱ ነገራት መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ’ዩ፡፡ኣብዛ ንእሽተይ መፅሓፍ ዝርከቡ መብዝሓቲኦም ምኽርታት ከም ሕጊ ወይ ድማ ከም ጽኑዕ መምርሒ ገይርካ ኣይትውሰዶ፡፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሰባት ኩሉ ግዜ ኣይኮኑን ነዚ መምርሒ እዚ ዝኽተሉ፡፡ እንተኾነ ግን እዞም ኣብ ታሕቲ እዚ ተገሊፆም ዘለው መብዛሕቲኦም ባህሪታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብብዙሓት ሰባት ዝትግበሩ’ዩም፡፡

ዝያዳ ምፍላጥ፡፡

ክፋል 1 – ህይወት ሕብረተሰብ

ክፋል 1 – ህይወት ሕብረተሰብ

  • ’’ጉትን ታግ’’ (ፅቡቅ መዓልቲ) ’’ኣውፍ ዊደር ዜን’’ (ደሓን ኩን) ዝተለመዱ ናይ ሰላምታ ቃላት’ዩም፡፡ ምስ ሓደ ሰብ ወይ ድማ ምስ ውሑዳት ሰባት ክትራኸብ ከለኻ ንዘለዉ ኹሎም ኣጠቓሊልካ ሰላምታ ምቅራብ ልሙድ ተግባር እዩ። ንኣብነት ንእስ ኣብ ዝበለ ሹቅ ወይ ድማ ኣብ ናይ እንዳ ሓኪም መጸበዩ ክፍሊ ክትኣቱ ከለኻ ’’ጉትን ታግ’’ (ፅቡቅ መዓልቲ) ብምባል ኣብኡ ንዘለው ሰባት ሰላምታ ተቅርብ፡፡ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኣብ ጎደና ንዘጋጥሙኻ ሰባት፥ ኣብ ንእሽተይ ዓዲ ወይ ኣብ ጽምዋ ቦታ፥ ሰላምታ ምቅራብ ግድን’ዩ፡፡

  • ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ቦታ ፍሽክታ ምርኣይ ከም ምልኻፍ ኣይቁፀርን፣ ወላ ውን ምስ ጓና እንተ ኣዕለልካ፡፡ብዙሓት ሰባት ፍሽኽ ምባሎም ከም መግለጺ ሕያውነትን ሰላምታን እዩ።

  • ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ሰባት ንውልቀ ናፅነት ኣብይ ቦታ ይህቡ’ዩም ካብኣቶም ዝተወሰነ ርሕቅ ክትብል ይግባእ፡፡ ኣብ ባቡር ይኹን ኣብ ሬስቶራንት ጋሻ ሰብ እንተረኺብኻ ’’ሄሎ’’ ኢልካ ንነዊሕ እዋን ብዘይዘረባ ኮፍ ክትብል ትክእል ኢካ፡፡ ክትኸይድ ከለካውን ደሓን ወዓል ኢልካ ትኸይድ። ብተመሳሳሊውን ብዙሓት ሰባት ንበይኖም ኮፍ ክብሉ ይደልዩ እዩም፡፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ፡፡

  • ጸጥታን ውልቃዊ ናጽነን ንምሕላው ሰባት ማዕጾኦም ይዓጽዉ።ንኣብነት ኣብ ቤት ጽሕፈታት ወይድማ ኣብ ገዝኦም፡፡ ክትኣቱ ከለኻ ከኣ ማዕፆ ምኩሕኳሕ ኣድላይ’ዩ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ክትኣቱ ብኣኽብሮት ይዕድሙኻ፡፡

  • ሰንበት ናይ ፀጥታ መዓልቲ’ዩ፡፡ ኩሎም ሹቃት ዕፅዋት’ዮም፡፡ ዝተወሰኑ ሰባት’ዩም ኣብ ስርሖም ዝርከቡ፡፡ ጎረባብትካ ኣብ ዕረፍቲ መዓልቶም ተረብሽካዮም ክሲ ከቕርቡ ይኽእሉ’ዩም፡ ንኣብነት ዝርብሽ ድምፂ ዘለዎ ስራሕ እንተሰርሒካ፡፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሰባት ኣብ እዋን ድቃሶም ዝኾነ ይኹን ድምፂ ክስምዑ ኣይደልዩን እዮም ፡፡ ካብ ሰዓት 10 ምሸት ክሳዕ 6 ንግሆ ጸጥታ ክሕሎ ይግባእ እንተ ዘይኮነ ክትክሰስ ትኽእል ኢኻ።

  • ሰብ ኣብዝተኣከበሉ ቦታ ሽንቲ ምሻን ግቡእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝበዝሑ ቦታታት ሽንቲ ቤት ይርከብ’ዩ፡፡ ኣብ ሽንቲ ቤት ናይ ፅሬት መከወሊ ሶፍትታት ይርከቡ’ዮም፡፡ መሕፀቢ ነፍሲ ሻወር ግና የለን፡፡ ናይ ሽንቲ ቤት ረስሓት ወረቃቅቲ ኣብቲ ዝሸንካሉ ክትድርብዮ ይግባእ፡፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሞደስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ነገራትን ከኣ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ክጓሓፍ ኣለዎ። ርስሓት ነገር እንተ ኣጋጢምካ ብብራሽ ከተጽርዮ ኣለካ። እቲ ሽቓቕ ፅሩይን ደረቅን ምኳኑ ኣረጋጊፅካ ውፃእ፡፡ ደገ ክትወፅእ ከላካ ኮፍ ኢልካ ምውፃእ’ዩ ተመራፂነት ዘለዎ፡፡ ሽንቲ ተኮይኑ ግና ደው ኢልካ’ዩ ዝምረፅ፡፡ ብተወሳኪውን ካብቲ ሽንቲ ቤት ክትመፅእ ከለካ ኢድካ ብሳሙና ምሕፃብ ግድን’ዩ፡፡

  • ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ቦታ ብፍላይ ኣብ ትራንስፖርት ነዊሕን ዓው ኢልካ ቴሌፎን ምዝራብ ፅቡቅ ኣይኮነን፡፡ ድምፅካ ኣትሕት ኣቢልካ ክትዛረብ ይግባእ፡፡

  • ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ንዓበይቲ ሰባት:ንነፍሰ ጾራት:ንስንኩላን ተባሂሉ ዝተትሓዘ ቦታ ኣሎ፡፡ንናይ ቆልዑ ዓረብያን ብውሊቸር ንዝከዱ ሰባትውን ተባሂሉ ዝተሓለወ ቦታ ኣሎ፡፡ ነዚኦም ቦታታት ሰባት ኮፍ ኣይብልዎምን ወይ ከኣ ኣድላይ ተኾይኑ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ይብሉ ወይድማ ጠጠው ይብሉ፡፡

  • ኣብ ኣስካላ ሰባት ኩሉ ግዜ ብየማን ጠጠው ይብሉ ብፀጋም ድማ ይጓኣዙ፡፡

  • ሓገዝ እንተደሊካ ንዝኾነ ሰብ ንምሕታት ናፃ ኹን፡፡ መብዛሕትኦም ሰባት ክሕግዙኻ ድሉዋት’ዮም ፡፡ ብዘይ ወለዶም ፍቃድ ንህፃናት ቆልዑ ክትቀርቦም ኣይግባእን፡፡

ክፋል 2 – ናይ ውልቀ ሰብ ናፅነት

ክፋል 2 – ናይ ውልቀ ሰብ ናፅነት

  • ኩሉ ሰብ ናይ ባዕሉ ሃይማኖት ከተግብር ይክእል’ዩ፡፡ ሃይማኖትውን የብለይን ክብል ይክእል’ዩ፡፡ ሃይማኖት ናይ ውልቀ ሰብ ጉዳይ’ዩ ተባሂሉ ’ዩ ዝእመን፡፡ ንስኻ ውን ብዝደሌካዮ ነገር ናይ ምእማን መሰል ኣለካ፡፡ ግና ንስኻ ናይ ካልኦት ሰባት እምነት ከተኽብር ትፅቢት ይግበር’ዩ፡፡ ብካልእ ኣምላኽ ይእመን ወይ ድማ ዘኣምኖ ነገር ኣይህልው ናይቲ ሰብ እምነት ክተኽብር ይግባእ፡፡

  • ናይ ውልቀ ኣታሓሳሰባን ምይይጥን ኣብ ጀርመን ግቡእ ጠመተ ይዋሃቦም’ዩ፡፡ እቲ ዕላማ ከኣ ኣብ ሓደ መፍትሒ ንምብጻሕ እዩ፡፡ እቲ ፕሬስ ፍሉይ ዝኾነ ናፅነት’ዩ ዘለዎ፡፡ ናይ ፕሬስ ናፅነት ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡ እዚ ናፅነትውን ብሕጊ ዝተሓለወ’ዩ፡፡ እቲ ፕሬስ ገፊሕ ዝኾነ ኣርእስቲታት’ዩ ዘጠቓልል፡፡ ነቲ መንግስቲውን ነቀፌታ የቅርብ ’ዩ፡፡ ንማሕበራዊ ትካላትውን ነቀፌታ የቅርብ ንኣብነት ንቤተክርስቲያናት፡፡ ’’ናይ ምዝራብ ናፅነት’’ ዝመስለካ ነገር ንክትዛረብ ናፅነት ይህበካ፡፡ ግና ናይ ሰብ መሰል ክትትንክፍ ኣይግባእን፡፡

  • ኣብ ቅድሚ ሰብ ንፍቅረኛካ ፍቅርካ ክትገልፅ ትኽእል ኢካ (ተመሳሳሊ ይኹን ዝተፈላላየ ፆታ ዘለዎም መሓዙት) ፍቅሮም ኣብ ቅድሚ ሰብ ምግላፅ ዝተለመደ’ዩ፡፡ እዚውን ተሓቋቂፍካ ምካድ፣ ምስዕዓም የጣቃልል’ዩ፡፡ እዚ ዝተለመደ ተግባርን ቅቡልን’ዩ ግና ካብ መስመር እንተሓሊፉ ተቀባሊነት የብሉን፡፡

  • ዝተወሰነ ክፋል ናይ ኣካላትካ ጥርሑ ገይርካ ምካድ ዝተለመደ’ዩ ንኣብነት ቲሸርትን ሕፅር ዝበለ ስረን ገይርካ ምካድ ይካኣል’ዩ፡፡ ሓፀርቲ ክዳውንቲ ውን ይፍቀድ’ዩ፡፡ ነዚ ዝተከደኑ ሰባት ግና ንነዊሕ ግዜ ክትጥምቶም ኣይፍቀድን፡፡

  • ኣብ ሳውናን ገለ ገለ መሐምበሲ ቦታታትን ጥራሕ ነፍስኻ ክትንቀሳቐስ ይፍቀድ’ዩ።ኣብ መብዛሕትኡ መሕመሲ ቦታታት ግና ሰባት ናይ መሐምበሲ ክዳን ይኽደኑ ፡፡ ኣብ መሕመሲ ቦታታት ንወዲን ንጓልን ተባሂሉ ዝተወሰነ ቦታ የለን፡፡ ኣብ ሓደ ሓደ ግና ፍሉይ ኣብ ዝኾነ እዋን ንወዲን ንጓልን ተባሂሉ ዝተፈለየ ቦታ ይርከብ’ዩ፡፡

ክፋል 3 – ህይወት ማሕበረሰብ

ክፋል 3 – ህይወት ማሕበረሰብ

  • ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ሰባት መብዝሓቲኡ እዋን ኢድንኢድ ተጨባቢጦም ስላምታ ይዋሃባቡ’ዩም፡፡ እዚ ዝገብሩ ድማ ክራኸቡን ክፈላላዩን ምስበሉ’ዩም፡፡ ጋሻ ሰብ ተረኪቦምውን ናይ ኢድ ሰላምታ የቅርቡ’ዩም፡፡ ሓደ ሰብ ተኣኪቦም ዘለው ሰባት ተረኺቡ ንኩሎም ናይ ኢድ ሰላምታ ከቕርብ ይግባእ፡፡ ናይ ኢድ ንኢድ ሰላምታውን ነቲ ሰብ ዓይኑ እናጠመትካ ክከውን ይግባእ፡፡ እዚ ዓይነት ሰላምታ ውን ንኩሎም ወዲን ጓልን ይትግበር’ዩ፡፡

  • ምስ መሓዙትካ ክትራከብ ከለኻ ተሓቋቂፍካ ምስዕዓም ዝተለመደ ተግባር’ዩ፡፡ ኣብ ዝተወሰኑ ናይ ጀርመን ከተማታት ንመሓዙትካ ምስዓም ዝተለመደ’ዩ፡፡ መብዛሕቲኡ እዋን ንተቃራኒ ፆታ ምስዓም ዝተለመደ’ዩ እዚውን ዕርክነትካ ንምግላፅ’ዩምበር ንፆታዊ ድሌት ኣይኮነን፡፡

  • ጀርመናውያን ዝሓስብዎ ነገር ቀጥታ ይዛረቡ’ዩም፡፡ ትሑት ብዝኾነ ኣቀራርባ’ዩም ሓሳባቶም ዝገልፁ ነቀፌታ ምቅራብ ንሓደ ሰብ የስተካክሎ’ዩ ኢሎም የኣምኑ’ዩም፡፡ ብፍለይ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተመራፂ’ዩ፡፡ ነቀፌታ ምቅራብ ወይ ከኣ ግብረ መልሲ ምሃብ ዝተለመደ’ዩ፡፡

  • ሰዓት ምክባር ኣድለይ ነገር’ዩ፡፡ ኣብ ቆፀራ ወይ ድማ ሰብ ክትረክብ ኢልካ 5 ደቒቕ እንተ ደንጒኻ ከም ንዕቀት ይግለጽ። ስለዚ ነቲ ሰብውን ዘለካ ክብሪ ንምግላፅ ብእዋኑ ምርካብ ኣድላይ’ዩ፡፡ እንተ ዘይጥዒሙካ ትዱንጊ መሲሉ እንተ ተራኢካ ነቲ ሰብ ደዊልካ ይቅርታ ብምሕታት መደንጎዪኻ ምኽንያት ምቅራብ አገዳሲ’ዩ፡፡

  • ሓደ ነገር ተቀሪቡልካ ‹‹ኔይን ዳንኬ›› (ኣይደልን፣ የምስግን) ኢልካ ምዝራብ ትሕትናካ የርእይ’ዩ፡፡ ‹‹ያ ቢቴ›› ወይድማ ‹‹ጌርነ›› እንተ ኢልካ ‹‹ሕራይ›› ‹‹እወ›› ማለት’ዩ፡፡

ክፋል 4 – ማዕርነት

ክፋል 4 – ማዕርነት

  • ንሓደ ሰብ ብፆታ፣ ብዘርኢ፣ ብሃይማኖት ወይ ድማ ብፆታዊ ረክቢ ፈላሊካ ምርኣይ ዘይሕጋዊ’ዩ፡፡ ክትክሰስ ውን ትክእል፡፡ ንሰካውን ብዝኾነ ነገር አፈላላይ ተገይሩልካ፣ ተተፀሪፍካውን ናብ ፖሊስ ክተምልክት መሰል ኣለካ፡፡ ሰብ ምፅራፍ ወይ ድማ ምብኣስ ክልኩል’ዩ፡፡ክትፅረፍ፣ ኣፈላለይ ክግበረልካ ወይ ድማ መሰልካ ክትትንከፍ ሕጊ ኣይፈቅድን ብተወሳኪውን መሰል ምግሃስ ኣብ ጀርመን ዘይሕጋዊ’ዩ፡፡

  • ወዲን ጓልን ማዕረ ዝኾነ መሰል’ዩ ዘለዎም፡፡ሓደ ሰብ በይነይ ክኸውን ግደፈኒ እንተይሉካ ክትገድፎ ይግበአካ ነዚውን ክትቅበሎ ኣለካ፡፡ ንካልኦት ሰባት መሰሎም ምትንካፍ ንወዲ ይኹን ንጓል ዝተከልከለ’ዩ፡፡ ንሓደ ሰብ ፎቶ ክትስእሎ እንተ ደሊኻ ብመጀመሪያ ፍቃድ ሕተቶ፡፡

  • ኣብ ጀርመን ናይ ተመሳሳሊ ፆታ ዕርክነት ዝተለመደ’ዩ፡፡ ንኣብነት ናይ ጀርመን ናይ ቀደም ናይ ወፃእ ጉዳያት ሚኒስትር ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎ ሰብ ዓርኪ ነይርዎ፡፡ ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎም መሓዙት ተመዝጊቦም ሕጋዊ ዝኾነ ኣፍልጦ ይዋሃቦም’ዩ፡፡

  • ኣብ ጀርመን ሰባት ዝመረፅዎ ሰብ ሓዳር ናይ ምግባር መሰል አለዎም፡፡ ሓዳር ዘይምግባር መሰልውን ኣለዎም ብዘይሓዳር ምንባር ኣብ ጀርመን ዝተለመደ’ዩ፡፡ ሓዳር ከይገበሩ ቆልዓ ዝወልዱ ኣለው፡፡ ዘይወልዱውን ኣለው ቆልዓ ዘይብሎም ብዘይ ሓዳር ሓቢሮም ዝነብሩውን ኣለው፡፡

ክፋል 5 – ከባቢ

ክፋል 5 – ከባቢ

  • ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ዘለዎም ኣረኣእያ ፍሉይ እዩ፡፡ ጓሓፍ ናቶም ከኣ ፈላልዮም ይጉሕፉ። ዝተደርበዩ ነገራት ተመሊሶም ኣብ ጥቅሚ ከም ዝውዕሉ ይገብሩ፡፡ ጓሓፍ ዝመሰሉ ነገራት ናብ ባይታ ኣይድርብዩን፡፡ እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ከተማ ተመሳሳሊ ዝኾነ ባህሪ’ዩ፡፡ ንተፈጥሮውን ይከናከኑ’ዩም፡፡ ንኣብነት ንፓርክታት ቀፂሉ ድማ ንመንገዲታትን ንእንፀይቲታትን ክንክን ይገብሩ’ዩም ንጓሓፋት ብሓደ ይእክቡም ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ጓሓፍ መወገዲ ወሲዶም ይድርብይዎ፡፡ እዚ ማለት ድማ ነቲ ጓሓፍ ተሽኪምም ናብቲ ጓሓፍ መደርበይ ቦታ ይጓዓዙ ማለት’ዩ፡፡ ብርግፅ ናይ ጓሓፍ መአከቢ ኣብ መዕረፊ ባቡራት፣ ኣብ ፌርማታ ናይ ባስ ኣብ ፓርኪ ይርከብ’ዩ፡፡

  • መብዛሕቲኦም ጀርመናውያን ዘለዎም ኢነርጂን ሪሶርስን ብኣግባብ’ዮም ዝጥቀሙ፡፡ ነዚ ዝገብሩ ድማ ንከባቢኦም ክንክን ንምግባር’ዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኪውን ገንዘብ ንምቁጣብውን ይጥቀሙሉ፡፡ ንኣብነት ፍሪጂ ንነዊሕ እዋን ከፊቶም ኢይጥቀሙን (ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ሱፐርማርኬት) ኩሎም ሰባት ካብ ክፍሎም ክወፅኡ ከለዉ ነቲ መብራህቲ የጥፍኡዎ፡፡

  • ዝተዓፀወ መስኮት ሙቀት ይፈጥር’ዩ ፅሩይ ኣየር ምእንቲ ክኣቱ መስኮት ምክፋት ኣድለይ’ዩ ሓይሊ ንምቁጣብ መስኮት ክንከፍት ከለና ሙቀት ዝህብ መሳርሒ ክነጥፍኦ ይግበአና፡፡

  • መብዝሕኣቲኦም ብጠርሙስ ዝተዓሸጉ ነገራት ክትገዝእ ከለካ ነቲ ጠርሙስ መትሐዚ ካብ 8 ክሳብ 25 ሳንቲም ትከፍል፡፡ ካብኡ ነቲ ጠርሙስ ክትምልስ ከለካ እቲ ገንዘብ ይመለሰልካ ማለት’ዩ፡፡ ነተን ጠራሙዝ ኣብ ዝረከብካዩ ሱፐር ማርኬት ክትሸጠን ትክእል፡፡ እቲ ሱፐር ማርኬት ግና ካብቲ ንስካ ዝገዛእካሉ ክኸውን ግድን ኣይኮነን፡፡ እዚ ማለት ድማ ናትካ ከባቢ ከይብከል ዝተጠቀምካሎም ጠራሙሳት መሊስካ ብምጥቃም እቲ ጓሓፍ ከይበዝሕ ንምግባር’ዩ፡፡

ክፋል 6 – ምግቢ፣ መስተን ሽጋራን

ክፋል 6 – ምግቢ፣ መስተን ሽጋራን

  • ማይ ናይ ቡንባ ምስታይ ይክኣል’ዩ፡፡ ኣታኣማማኒ ውን’ዩ ማይ ቡንባ ኣብ ጀርመን ቁፅፅር ስለዝግበረሉ ካብ ሓደጋ ናፃ’ዩ፡፡ ነዚ ሕጊ ዝጥሕስ ስተወሰነ ነገር ኣሎ ንኣብነት ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ቦታ፣ ኣብ መዕረፊ ባቡራት ፍሉይ ብዝበል መንገዲ ዝተፃሓፈ ‹‹ካይን ትሪንክ ዋሰር ›› (ዘይስተ ማይ) ተባሃሉ ይፃሃፈሉ፡፡

  • ኣብ ጀርመን ዝተፈላለየ ዓይነት ምግቢታት ይርከብ’ዩ ንኣብነት ናይ ሓሳማ ስጋ፣ ናይ ብተይ ስጋ፣ ናይ ደርሆ ስጋውን ይርከብ’ዩ፡፡ እንታይ ዓይነት ስጋ ኣብ ምግብካ ክውሰከልካ ከምትደሊ ኩልግዜ ሕተት ዘይደለካዩ ናይ ስጋ ዓይነት ተኮይኑ ክትበልዕ ኣይትግደድን፡፡ ብባህሎም ጀርመናዊያን ብዙሕ ስጋ ሓሰማ ይምገቡ እዩም፡፡

  • ኣብዙሕ ቦታታት ዱነር ዝብሃል ዓይነት መግቢ: ንሱ ከኣ ስጋ ኮይኑ ኣብ ባኒ ተጠቕሊሉ ይሽየጥ፡፡ እቲ ስጋ ድማ ናይ ደርሆ ናይ ዕየት ወይ ድማ ናይ ምራኽ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡፡ ልክዕ ከም ካልኦት ፋስት ምግቢታት ፒዛ፣ በርገር፣ ወዘተ… ብዘይ ማኣዲ ዝብላዕ’ዩ፡፡ ኣብ ጠረጴዛ ትምገብ ተኾይንካ ኩሉ ዝተማልአ ማኣዲ ትረክብ፡፡

  • ብዙሓት ናይ ጀርመን ምቁር ነገራት ካብ ሓሳማ ስጋ ዝተዳለወ ጀላቲ ኣለዎም፡፡ ንስካ ግን ነቲ ምቁር ነገር ብሃይማኖትካ ክልኩል እንተኮይኑ ካብ ኣትክልቲ ዝተሰርሐ ዝብል ፅሑፍ ዘለዎ ኣንቢብካ ክትገዝእ ትክእል ኢካ፡፡ ወይድማ እቲ ምቁር ነገር ካብ ምንታይ ከምዝተሰርሐ ዝርዝር ነገራቱ ምርኣይ ይካኣል’ዩ፡፡

  • ኣብ ጀርመን ሕስር ዝበለ ዋጋ ዝሸጡ ሱፐር ማርኬታት ኣለው (ንኣብነት ኣልዲ፣ ሊድልን ፔኒን) ብጣዕሚ ክቡራት ዝኾኑ ሱፐር ማርኬታት ድማ ኣለው (ንኣብነት ረቨን ኤዴካን)፡፡ ሓደ ሰብ ንምንባር ዘድልዩ ነጋራት ሱፐር ማርኬታት ይሸጡ’ዩም፡፡ ካብዚ ብተወሳኪ ናይ ሓረስቶት ዕዳጋን ንኣሽቱ ሱፐር ማርኬታት ይርከቡ’ዩም፡፡ ንኣብነት ቱርኪሽ፣ ኣፍሪካን፣ ኤስያንን ግሪክ ሱፐር ማርኬትን ይርከቡ’ዩም፡፡ ብሃይማኖትካ ዝፍቀድ ስጋ ተኮይኑን ,,ሓላል´´ምቁር ነገር ንምግዛእ ተደሊካ ኣብ ቱርኪሽ ወይድማ ኣብ ኣዕራብ ሱፐር ማርኬት (ሬስቶራንትስ) ክትረክብ ትክእል፡፡ ካብ ሱፐር ማርኬት ብተወሳኪ ገለ ነዳዲ መሸጢ ቦታታት 24 ሰዓት ዝሰርሑ ካብኡ ምግዛእ ይካኣል’ዩ ፡፡ዋግኡ ግና ክብር ዝበለ’ዩ ምስ ሱፐር ማርኬት ክነፃፀር ከሎ፡፡

  • ናይ ኣልኮል መስተ ቢራን ወይንን ኣብ ማሕበራዊ እዋናት ኣብ ምሽት ምስታይ ዝተለመደ ነገር’ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ድራር እዋን ወይድማ ምሓዙትካ ክትረክብ ከለካ፡፡ ብኣንፃሩውን ኣልኮል መስተ ዘይምስታይ ብብዙሓት ጀርመናውያን ቅቡል ተግባር’ዩ፡፡ ‹‹ኔይን ዳንኬ›› ኢልካ ከኣ ኣይሰትን’የ ትብል፡፡ ናይ ኣልኮል መስተ ሰቲኻ መኪና ወይ ብሽክለታ ምዝዋር ኣይፍቀድን፡፡

  • ሽጋራ ምትካክ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝተለመደ’ዩ፡፡ ወዲ ይኹን ጓል ሽጋራ ምትካክ ይካኣል’ዩ፡፡ ኣብ ሬስቶራንትን ባቡር ጣቢያን ንሽጋራ ምትካክ ተባሂሉ ቦታ ይዳለው’ዩ፡፡ ‹‹ናይ ሽጋራ ምትካክ ቦታታት›› ተባሂሉ ይፅሃፈለን፡፡ መብዛሕቲኦም ሽጋራ ዘትክኩ ሰባት ናብ ደገ ውፅእ ኢሎም የትክኩ ወይድማ ናብቲ በረንዳ ወፃእ ኢሎም የትክኩ፡፡ ቅድሚ ሽጋራ ዝየትክኩ ሰባት፣ ቅድሚ ህፃውንቲ፣ ቅድሚ ጥንስቲ ጓል ሽጋራ ምትካክ ብስሩ ኣይካኣልን፡፡ ከምኡ ተገይርካ ከም ብዓለገ ኢካ ትረኣይ፡፡

ክፋል 7 – ወግዓዊ ጉዳያትን ምምሕዳርን

ክፋል 7 – ወግዓዊ ጉዳያትን ምምሕዳርን

  • ሹቃትን ቤት ጽሕፈታትን ብሰዓቶም ይክፈቱ ብሰዓቶም ይእፀው፡፡ ንኣብነት ቤት ጽሕፈታት ዝተኸፈቱ ሰዓታት (‹‹ኦፍኑንዛይትን››) ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ይዓጽዉ አንተኮይኖም ናብቲ ቤት ጽሕፈት 3፡55 ክትርከብ ይግባእ፡፡ ምክንያቱ ድማ ሰኣት 4፡01 እቲ ቤት ጽሕፈት ተኣፅዩ ኢካ ትረክቦ፡፡ ንኣውቶብሳት፣ንባቡራት ወዘተ ተመሳሳሊ’ዩ ሰዓት ምክባር ኣድላይ’ዩ፡፡ እቶም ባቡራት ይኩና ኣውቶብሳት ብዝተዛረባሉ ሰዓት’ዩም ዝብገሱ፡፡

  • ቢሮክራሲ ዝምልካት ክንርእይ ከለና ኣብ ጀርመን ዘሎ ቢሮክራሲ ዝተሓላለኸ’ዩ፡፡ ዝደኸመ ቢሮክራሲ’ዩ ዘሎ ሓደ ነገር ንምፍፃም ብዝሕ ዝበለ ኸይዲ የዲሊ’ዩ፡፡ እዚ ድማ የጭንቅ’ዩ፡፡ እዚ ቢሮክራሲ እዚ ንኩሉ ማዕረ’ዩ ዝሰርሕ፡፡ ፍትሓዊ ንምግባርውን ፃዕሪ ይግበር እዩ፡፡ ገንዘብ ወይ ድማ ካልእነገር ከም ጉቦ ምቅባል ገበን’ዩ፡፡

  • ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ሰባት ሕጊ ትራፊክ የክብሩ’ዩም፡፡ ቀይሕ መብራህቲ ክበርህ ከሎ ዋላ ሓደሰብ ኣይንበር ኩሎም በዓል መኪና ጠጠው’ዩም ዝብሉ፡፡ ናይ ትራፊክ መብራህቲ እንተዘይሃልዩ ብየማን ዝመፀ ሰብ ቀዲሙ ናይ ምጉኣዝ መሰል ኣለዎ፡፡ (‹‹ሬሽትስ ቮር ሊንክስ››) ይባሃል፡፡

  • ተፈልዬም ዝተሰርሑ መንገዲታት ንብሽክሌታ’ዩ ዘግልግሉ፡፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ንብሽክሌታ መጓዓዝያ ተባሂሉ ዝተዳለወ መንገዲ ኣሎ፡፡ ማኪና ክትዝውር ከለካ ብሞባይል ምፅሓፍን ምዝራብን ዝተኸልከለ’ዩ ፡፡ ብመኪና ክትጓኣዝ ከለካ ኩሉ ተጓዓዛይ ቁልፊ ይዕጠቅ’ዩ፡፡ንደቅካ ዝተመቸአን ዝተመጣጠነ ኮፍ መበሊ ክተዳልው ይግበአካ፡፡

  • ናይ ቴሌፎን ፃውዒት ኩል ግዜ ብቤት ጽሕፈት ሰዓት’ዩ መልሲ ትረክብ እዚ ማለት ድማ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 4 ክሳብ ሰዓት 5 ’ዩ፡፡ ናይ ውልቀ ስልኪ ፃውዒት ምሽት ድሕሪ ሰዓት 9 ወይድማ 10 ኣይላዓሉን፡፡ ስልኪ ክትድውል ከለካ መጀመሪያ ርእስኻ ኣፋልጥ ቀፂልካ ሽምካ ብምዝራብ ሰላምታ ኣቅርብ፡፡

  • ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ክትጥቀም ከለካ ኢድ ብኢድ ከፊልካ ትኬት ክትቆርፅ ኣድላይ’ዩ፡፡ ነዚኦም ትኬታት ኣብ ትኬት መሸጣ ትኬት ኣብዝሸጡ ማሽናት ወይድማ ግልጋሎት ካብዝትረክበሉ ቦታ ክትገዝኦም ትክእል ኢካ፡፡ ናብ ባስ ወይድማ ናብ ባቡር ክትኣትው ከላካ ነቲ ትኬት ከምዝተጓዓዝካሉ ምልክት ተግብረሉ፡፡ (ንኣብነት በርሊን፣ ሙኒክ) ንዝመስሉ ከተማታት ከምዚ ትገብር ናይ ቲኬት ዓይነታትን፣ ከይዲታትን ካብ ከተማ ከተማ ይፈላለይ’ዩ፡፡

ክፋል 8 – ሓደጋ ከጋጥመካ ከሎ

ክፋል 8 – ሓደጋ ከጋጥመካ ከሎ

  • ኩልግዜ ዝተጎድኡ ሰባት ተሪኢካ ሓገዝ ግበረሎም፡፡ ካልእ ሰብ ኣይትራኣይ ኩልግዜ ሓደ ነገር ንምግባር ፈተነ ግበር፡፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ሰብ ክሕግዝ ናይ ሞራል ሕጊ የሓትት’ዩ ንኣብነት ናይ መጀመሪያ ረድኤት ብምሃብ፣ ናብ ድንገተኛ ሓደጋ ግልጋሎት ቤት ጽሕፈት ስልኪ ብምድዋል (ኣብ ታሕቲ ተመልከት)

  • ናይ ሰብ ባእሲ ዝምልከት፣ ስርቂ፣ ፆታዊ ፀርፈ፣ ትንኮሳ ተሪኢካ ናብ ፖሊስ ደውል (110 ኣብዝኾነ ስልኪ ክትደውል ትክእል ኢካ) ናይ ፖሊስ ኦፊሰራት ከም መሓዝኦም’ዩም ዝሪኡካ ብምኳኑውን ንዝደወልካሎም ነገር ብትኩረት’ዬም ዝርእዩ፡፡ ዝገድፍዎ ናይ ስልኪ ፃውዒት የለን፡፡

  • ናይ ባርዕ ሓዊ ዝምልከት ወይድማ ናይ ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋ ዝምልከት ንሓዊ ብርጌድ ስልኪ ደውል(112 ኣብ ዝኾነ ስልኪ ክትደውል ትክእል) እዚ መስመር እዚ ብጣዕሚ ተደላይ ስለዝኾነ ንህይወት ዘስግእ ኩነታት ተጋጢሙካ እዩ ትድውለሉ፡፡ ናይ ሃንደበታዊ ሓደጋ ሕክምና ክፍሊውን ንህይወት ዘስግእ ኩነታት እንተጋጠሙ’ዩ ትጥቀመሎም፡፡ (ኣብ ሆስፒታላት)

  • ዶክተር ንምርኣይ ስደተኛታት ብመጀመሪያ ናብ ማሕበራዊ ደሕንነት ቤት ጽሕፈት ከማኽሩ ይግባእ፡፡ ናይ ዶካትር ቤት ጽሕፈት ኩልግዜ ካብ ንጉሆ ሰዓት 8 ክሳብ ናይ ቀትሪ ሰዓት 12 ክፉት’ዩ፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ ውን ይክፈት’ዩ መብዛሕቲኦም ዶክተራት ብእንግሊዝኛ ቋንቋ ይዛረቡ’ዩም፡፡

  • ሰንበት፣ ኣብ ኣውደ ኣመት ወይድማ ምሸት ሕክምና ንምግባር እንተደሊካ መጀመሪያ ንኡኡ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፋርማሲ ስለ ዘሎ ተቐላጢፍካ ትከይድ (‹‹ኖት አፖቴክ››) ይባሃል፡፡ ኣየንኡ ፋርማሲ ኣብ ስራሕ ከምዘሎ ንምፍላጥ ‹‹ኖት አፖቴክ›› ኣብ ጎግል ጽቐጥ ወይድማ 22 8 33 ደውል (እንትበዝሐ 69 ሳንቲም የክፍለካ’ዩ) ብምባይል ገይርካ ምድዋል ይካኣል’ዩ፡፡ ናይ ‹‹ኖት አፖቴክ›› ኣገልግሎት ዝህቡ ኣብ ኩሎም ፋርማሲታት ማዕፆ ይጥቃዕ’ዩ፡፡

ክፋል 9 – ብዛዕባ እዚ መምርሒ

እዚ መምርሒ እዚ ንጀርመን ዝበጽሑ ሰባት፣ ንስደተኛታትን ንቅድሚት ናይ ጀርመን ዜግነት ንዝረክቡ ሰባት ተባሂሉ ዝተዳለወ’ዩ፡፡ ናይዚ መምርሒ ዕላማ እዚኦም ሰባት ኣብ ጀርመን ምእታው ካብዝጀምራሉ ዕለት ኣትሓሒዙ ብዛዕባ ጀርመን ዝተወሰነ ፍልጠት ንምሃብ’ዩ፡፡ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ድማ ብዛዕባ እታ ዓዲ ጠቃሚ ዝኾነ መረዳእታ ንምሃብ’ዩ ምክንያቱ ድማ እቶም ስደተኛታት መንግስቲ ጀርመን ዘዳለዎ ናይ ጀርመን ቋንቋ ትምህርቲን ናይ ምፍላጥ ኮርስ ዘይክረክቡ ይክእሉ’ዩም ኣብ መስከረም 2015 ቢኤኤም ኤፍ (ናይ ጀርመን ስደተኛ ቢሮ) ከምዚ ዓይነት መምርሒ ኣየዳለወን፡፡ እዚ መምርሒ እዚ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝርዝር ብዝኾነ መንገዲ ተዳሊው’ዩ ነዚ መምርሒንዝተፈላለዩ ወገናት ንምብፃሕ ብኦን ላይን ተዳሊው’ዩ፡፡ ኣብ ቀፃሊ እዋን ነቲ መምርሒ ብምሕታም ክነቅርብ ኢና፡፡

ናይዚ መምርሒ ቀንዲ ዕላማ ኣድላይ ዘበሉ መረዳእታ ምቅራብ’ዩ ፡፡አንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ እዚ መምርሒ ከም ትዕቢትን ንስደተኛታት ምንእኣስን ይቱርጎም። ኣድለይ ብዝኾነ ትርጉም ዝተዳለወ እዚ መምርሂ ናይቲ ማሕበረሰብ ነቀፊታን ካልኦት ጉዳያት ተንፀባሪቁሉ’ዩ፡፡

ናይዚ መምርሒ ሓሳብን ትሕዝቶን በብዙሕ ሰባት ደገፍ’ዩ ተዳሊዩ ዘሎ ንኣብነት (ካብ ሶሪያ፣ ኣፍጋሂስታን፣ ሱዳን፣ ግብፂ፣ ፓላስታይን ዝመፁ ሰባትን ናብ ጀርመን ብቀረባ ዝመፁ ስደተኛታት፣ ሕዚውን ኣብ ጀርመን ዑቕባ ሓታቲ ኮይኖም ዝነብሩ ሰባት ዝተሳተፉሉዩ) ስደተኛታት ነዚ መምርሂ እዚ ሒዞም ክምርሑሉ ኣድላይ ነገር’ዩ፡፡

ነቲ ፕሮጀክት እዚ ምስ ስደተኛታት ክንመያየጥ ከለና ብኣወንታዊ ጉኒ ኣይተራእየን ፡፡ ክሳዕ ክንደይ ስደተኛታት ዘቃልል’ዩ ኢልና ምስ ሓተትናዮም ብኣንጻሩ ጠቓሚን ሓጋዝን ምዃኑ ሓቢሮምና። ናይ ሕቶታቶም መልሲ ኮይኑ ረኺቦሞ።